Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Maxi
Member+
Posts: 5951
Joined: 06 Mar 2014, 04:33

ወያኔ ያሰራት የ2 አመት የተምቤን ህጻን!! ፍትህ ለተምቤን እና ለ70 እንደርታ ህዝብ!!

Post by Maxi » 06 Aug 2019, 18:22




ፍትሒ ንህፃን ማህሌየት እና ንወላዲታ ገነት ኪዳይ እና ንቀሺ ወልደስላሴ ገብረሂወት ።
==================================
ብዕለት 30/06/2011 ዓ/ት ናብ ዕለት ዐ1/07/2011 ዓ/ት ዘውግሕ አብ ዞባ ማእኸል ወረዳ ቆላ ተምቤን ጣብያ ወርቃምባ ቀሺ ወልደስላሴ ገብረሂወት ዝተባሃሉ ወዲ 76 ዝዕድሚኦም ካብ ከተማ ወርቃምባ አብ ቀረባ እትርከብ መንበሪ ገዝኦም ቁሸት ደብረሰብያት አብ ዝኸድሉ መንገዲ ብግፍዒ ብፋስን ካራን አብ ርእሶም ክሳዶም ብከቢድ መቁሰልቲ መውሰቁልቲ መውጋእቲ ተቐቲሎም ዕለት 01/07/2011ዓ/ት ንጎሆ ሰዓት 1:ዐዐ አብ መንገዲ ተረኸቡ መርመርቲ ፖሊስ አብቲ ቦታ በፂሖም ንምርመራ ናብ ከተማ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ዘምፅእዎም ኮይኖም ካብ አላዕላ ሬሳ ጀማሩ ፖሊስ ጥንቃቖ ብዝጎደሎን ምስ ሬሳ ዝተረኸበ ንምርመራ ዘግልግል ንብረት ብምሕባእ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣላዓዕላ ምንባሩን ስድራ መዋቲ አብ ዝሓተተሉ እዋን እውን እንተኾነ እቶም መርመርቲ ፖላስ ባዕላቶም አብ ኣላዓዕሎኦም ጉድለት ከምዝነበሮም አሚኖም እዮም።

ብተወሳኺ ተጠርጠርቲ እቲ ቅትለት ክኾኑ ዝኽእሉ አብቲ እዋን ስድራ መወቲ ብዛሃብዎ ሓበሬታ ብናናይ ባዕልቶምን ዝረኸብዎ ሓበሬታን ተደሪኾም 19 ሰባት ንግዚኡ አብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል መርመራ ጀሚሮም እኳ እንተነበሩ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግና ፖላዊስ ብግልባጡ ንስድራ መዋቲ (70 ንዕድሚአን ብዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ዘነበች ጠማለው ወዶም ሃሀቃ ሃይላይ ወልደስላሴ ብዓልቲ ቤት ሃለቃ ሃይላይ ወልደስላሴ ዝኾነት ወይዘሮ ገነት ኪዳይን ምስ ጓላ 3 ዓመት ዝዕድሚኣ ህፃንን በቶም አብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝዋዓሉ ሰባት ንስኻቱም እውን ተጠርጠርቲ ኢኹም ብምባል ብዘይምንም መረዳእታ ተጠቁሞም ናብ ፖሊስ ጣብያ ከተማ ዐብይ ዓዲ ምውሳድ አብ ሕድሕድ ገዛ ንበይኖም ብምእሳር ክሳብ ሕጂ አብ ቤት ማእሰርቲ አውዒሎም ብዙሕ መውቃዕቲ ኢሰብኣዊ ብዝግህስ አግባብ ምርመራ እናካይድሎም አብ ዘለውሉ እዋን ብዕለት 01/09/2011 ዓ/ት አብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝነበረት ባዓልቲ ቤት ሃለቃ ሃይላይ ወልደስላሴ ዝኾነት ወይዘሮ ገነት ኪዳይን ፖላዊስ አብ ቤት ማእሰርቲ ቀጥቂጦም።

ዝተሓነቐት ከምስሉ ዝተፈላለዩ ካብ ሓቂ ዝራሓቑ መረዳእታታት አብ ምእካብ ይርከቡ። ወይዘሮ ዘነበች ጠማለው ሃለቃ ወልደስላሴ ድማ አብ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ሎሚ ያሳቅይዎም አለው። ጓል መዋቲት ወይዘሮ ገነት ኪዳይን ዝኾነት ጓል 3 ዓመት ህፃን ድማ ቤተሰብ ዋላ ብሕጊ ፈሪምና ክንወስዳ ኢና እኳ ተበሉ ንወላዳታ ፖሊስ ወቂዑ ቀቲልዋ ኢላ ንቤተሰብ ትናገር ስለ ዝነበረት እቲ ሓበሬታ ከይወፅእ ንምዕጋት አበይ ከምዘላ ዛጊድ አይተፈለጠን። ካብቶም ተጠርጠርቲ እቶም 18 ሰባት ድማ ዓቃቢ ሕጊ ብዓንቀፅ 42 ጉዳዮም ዓፅዩ አብ ሽጢ ሓደ ወርሒ ነፃ ኢኹም ኢሉ ብምልቃቕ ካብ ጥርጣረ ወፃእ ንዝኾኑ ቤተሰብ ማዋቲ ቀተልቲ ወላዲኦም በየናይ ኣግባብ ናፃ ከም ዝወፁ ምንምሓበሬታ ከይሃቡዎም ሰዲዶምዎም እዮም። ብመሰረቱ እቶም ፖላዊስ ገና ካብ አላዕላ ሬሳ ጀሚሩ ጉድለት ስለ ዝነበሮምን ምስቶም 19 ተጠርጠርቲ እውን ዝምድና ስለ ዘለዎምን ኮነ ኢሎም እቲ ነገር ግዜ ወሲዱ ፍፃመ ገበን ንኸይፍለጥ ዝገብርዎ ዘለው ናይ ምሽፍፋንን አብ ስድራ መዋቲ እውን ወፅዮም ንኸይካቱዑ ኮነ ኢሎም ገበን ዝተመሎኦ ከይዲ ምርመረኦም ከይቃላዕ ብምባል ተወሳኺ ገበን አብ ምፍፃም ይርከቡ።ብደገ ዘለው ስድራ መዋቲ እውን እቲ ነገር ትል ከይገብሩሉ ኣስረኩም ኢና እናበሉ ብምፍርራሕ ናብ ዳኛ ቀሪቦም ነቲ ጉዳይ ከይካታተልዎ ካብ ቁፅሪ እቲ ቤት ፍርዲ ብረት ብምፍርራሕ እናመለሱ ክሳብ ሕዚ አብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተኸታቲሎም አይፈልጡን።

ስለዚ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ ካብ ዞባን ወረዳን ውፃእ ዝኾነ ዝምልከቶ አካል ከይዱ ምፅራይ ክገብርን ንተደጋጋሚ አብ ዘይዋዓሉሉ ገበን አብ ርእሲ ሓዘኖም ካልእ ሓዘን እናወሰኹ አብ ቤት ማእሰርቲ አብ ስቅያት ንዝርከቡ ስድራ መዋቲ ፍትሒ ንክረኽቡ ቀተልቲ ቀሺ ወልደስላሴ ከም ባሓዱሽ ምፅራይ ተገይሩ ናብ ፍርዲ ንኸቀርቡን አብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ንዝተቐተለት ወይዘሮ ገነት ኪዳይ ቀተልቲ ፖላዊስ ታሓተቲዝዝኾኑሉ መስርሕ ንኽግበር ብትሕትና ናሓትት።

አመልከቲ ስድራ መዋቲ።
1 ሃለቃ መረሳ ወልደስላሴ።
2 ፓይሎት ተኽለብርሃን ወልደስላሴ
ምስ ሙሉኣት ቤተሰብ።

ቅዳሕ
ናብ ቤት ፅሕፈት ኮምሽን ፖሊስ ክልል ትግራይ።
ናብ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ፀጥታን ምሕዳር ክልል ትግራይ።

ነዚ ሓበሬታ ዛካፈልኩምና ክቡራት አሕዋት የቅንየልና።

ናብ አይተ አማኑኤል አሰፋ ክትበፅሕ ድማ