Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Awash
Senior Member+
Posts: 30273
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Ugum shabo stooge sentenced for 16 weeks jail term

Post by Awash » 18 Feb 2020, 17:36

ጉዳይ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ያቆብ ገብረመድህን 'ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ' ናይ 16 ሳምንታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ
:lol: :lol: :mrgreen:
https://www.bbc.com/tigrinya/news-51547 ... gl4iT0-uNg

Awash
Senior Member+
Posts: 30273
Joined: 07 Aug 2010, 00:35

Re: Ugum shabo stooge sentenced for 16 weeks jail term

Post by Awash » 19 Feb 2020, 01:16

Your Agame stooge would have been better off eating his eggs for breafast. Fessfass wedi kelbi. :lol: :lol: :mrgreen:

በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛን፡ መስራቲን ኣካያድን፡ ተለቪዥን ኣሰናን ዝኾነ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ዝቐረበ ያቆብ ገብረመድህን ን16 ሳምንታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ይኹን እምበር እቲ ማእሰርቲ ንክልተ ዓመት 'ኣብ ዝባኑ ዝጸንሕ' ምዃኑ፡ ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ወሲና። እዚ ማለት፡ ዋላ'ኳ ብቐጥታ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ክልተ ዓመት ተመሳሳሊ ገበን እንድሕሪ ፈጺሙ ክእሰር ዝገብር ብይን'ዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣቶ ያቆብ፡ ኣብ እግሩ ንምንቅስቓሳቱ ዝቆጻጸር ናይ ፖሊስ መሳርሒ ተኣሲሩሉ፡ ን30 መዓልታት፡ ካብ ሰዓት 7 ምሸት ክሳብ ሰዓት 7 ናይ ንጉሆ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ተኣጊዱ'ሎ። ከምዚ ዓይነት እገዳ ንዝግበረሎም ገበነኛታት፡ ኣብ እግሮም መቆጻጸሪ (ታግ) ከም ዝእሰረሎም ይፍለጥ።

ኣብ ርእሲ'ዚ ድማ፡ ንጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ 600 ፓውንድ ዓዲ እንግሊዝ ክኽሕስ ተኣዚዙ'ሎ። እቲ ክፍሊት ኣብ ወርሒ 150 ክኸውን ዳኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ወሲና።


ንሓሙሽተ ዓመት፡ ምስ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ዝኾነ ርክብ ከይገብር'ውን ተኣጊዱ'ሎ።

እታ ዳኛ፡ እቲ ተግባር፡ ንናይ ህዝብን ቆልዑን ድሕነት ዕሽሽ ዝብል ምዃኑ ብምስማር፡ "እከይ" ክትብል ገሊጻቶ።

ጠበቓ ናይቲ ጋዜጠኛን፡ ኣኽባሪ ሕግን፡ ካልኦት ክልተ ሰባት ኣብቲ ገበን ከም ዝተሳተፉ'ኳ እንተገለጹ፡ ኣቶ ያቆብ ግን ምሉእ ሓላፍነት ባዕሉ ከም ዝስከም ብምግላጽ፡ እቶም ዝተባህሉ ሰባት ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምስኣል ጥራይ ከም ዝተሳተፉ ብምምጓቱ ቤት ፍርዲ ተቐቢልዎ።

ጋዜጠኛ ኣማኑኤል፡ ብዛዕባ'ቲ ፍርዲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "እቲ ኣብ ዓድና ክኾነልና እንደልዮ ፍትሒ ብግብሪ ሪኢናዮ፡ ገበነኛ ገበን ፈጺሙ፡ ተኸሲሱ፡ ብፍትሓዊ መንገዲ ጉዳዩ ተራእዩ፡ ዝግብኦ ፍርዲ ተቐቢሉ" ኢሉ።

"ኣብ ዓዲ ሕጊን ፍትሕን ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ዘርኢ'ዩ ውሳነ'ዩ" ይብል ኣማኑኤል።

ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተሳተፉ ዝተገልጸ ካልኦት ሰባት፡ ርእሱ ዝኸኣለ ሕጋዊ መስርሕ ክሲ ክምስርቱ ምዃኖም ሕጋዊ ወኪል ኣቶ ኣማኒኤል ዝኾነ ኣቦ መንበር ኣሰና ፋውንዴሽን ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019፡ ኣቶ ያቆብ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል፡ ናይ እንቋቁሖን ጸባን መጥቃዕቲ ፈጺምካ ተባሂሉ'ዩ ተኸሲሱ።

Image copyrightASENA TVናይ ምስሊ መግለጺኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ናይ እንቋቁሖን ጸባን መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ነይሩ

ንሱ፡ ድሕሪ'ዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሓለንጊ ህዝባዊ ግንባር ሸውዓተ ሽሕ ኪሎ ሜትር'ዩ ንውሓቱ፡ ኣብ ዝኸድኩም ኬድኩም ኣይገድፈኩምን'ዩ" ክብል ተሰሚዑ።

ኣቶ ያቆብ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ንካልኣይ ጊዚኡ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። በቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ኣብ ልዕሊ፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበርን፡ ብዛዕባ ኤርትራ ዝጽሕፍን ብሪጣንያዊ ማርቲን ፕላውት ዝፈጸሞ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ተኸሲሱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ነይሩ።

ክልቲኡ ፍጻመታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣቶ ያቆብ፡ እቶም ጋዜጠኛታት ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ነቐፌታታት ስለጽሕፉ፡ ነቲ መጥቃዕቲታት ከካይድ ከም ዝተገደደ'ዩ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ደጋፊ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ'ዩ ዝፍለጥ።
https://www.bbc.com/tigrinya/news-51547 ... gl4iT0-uNg

Post Reply