Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
tarik
Senior Member+
Posts: 33336
Joined: 26 Feb 2016, 13:04

ጸሓይ ዝዓረቦ ኣሸባሪ-ወያነ:ብመኣዲ ዘተ ክድሕን ይኽእል ዶ?!!! WEEY GUUD !!!

Post by tarik » 12 Sep 2022, 21:45

Center for research and documentation ማእከል ምርምርን ስነዳን ግዱሳት ሃገራዉያን

ጸሓይ ዝዓረቦ ወያነ- ብመኣዲ ዘተ ክድሕን ይኽእል ዶ?
===
መቐለ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ከበባ ኣትያ ኣላ። ውሁድ ሓይልታት ኢትዮጵያ ነታ ከተማ ብኣርባዕተ ማእዝን ዓጽዮማ ይርከቡ። ካብ ቐረባ ርሕቐት ድምጺታት ከቢድ ብረት ይስማዕ። ወያነ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲደ ይብል። ግዜ ሓሊፍዎ። ጸሓይ ዓሪብዎ እዩ። ዛጊት’ውን ብወገን ፈደራል ናይ ተዂሲ ምቁራጽ ስጉምቲ ኣይተወስደን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ድኣ እምበር ሳልሳይ ጌጋ ክውሰድ ኣይጽበይን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ሓራ ክወጽእ ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ ብቕድሚት ጥይት ብድሕሪት ጥይት እናወግአ ድኻታት ተጋሩን ተስፋ ዝነበሮምን መንእሰያት ሃሊቖም እዮም። ብገምጋም ኣብዚ ኣስታት ክልተ ዓመት ጥራይ ከባቢ 2 ሚልዮን ምዉት፡ ቅሱል፡ ምርኹን ሃለዋቱ ዘይተፈልጠን ኮይኑ ኣሎ። ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ትግራይ’ውን ብቑጠባ ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ ኣደዳ ድኽነት ኮይኑ ይርከብ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ንሰሜን እዝን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝህረም ናብ ኲናት ገጹ ኣይጠመተን። ሰለም መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ እዩ ኣሚኑ። ናብ ቆላታት ተምቤን ምስ ኣሳጐጎ’ውን ዘተ ሰላም ዓዲሙ። በይናዊ ናይ ተዂሲ ምቁራጽ ስጉምቲ ወሲዱ። በንጻሩ ወያነ፡ ናብ ኣራት ኪሎ ክምለስ እየ ብዝብል ዕንደራ ናብ ኲናት ተመሊሱ። ኲናት ከፊቱ። መንግስቲ ፈደራል ብዘይ ቕድመ ኩነት ንሰላም ክዛተ ጸዊዑ። በንጻሩ ወያነ ክሳብ ትማሊ 11 መስከረም፡ ሸውዓተ ግዜ መግለጺታት ኣውጺኡ፦
1 ነሓሰ 22 ብዝኾነ ተኣምር፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተደራዳሪ ኣይክኸውንን እዩ።
2 ነሓሰ 24፡ ተወሪርና፡ ማዕፆ ሰላም ተዓፅዩ፡ ነቲ ወራር ንድሕሪት ንምምላስ ዝኾነ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።
3 ነሓሰ 31፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ኲናት 100% ኣጽዋርና ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣሽሓት ቀቲልና ኣሽሓት ድማ ማሪኽና ኣለና።
4 መስከረም 1፡- ሙሉእ "ሓይሊ ትግራይ" ነቲ ወራር ንድሕሪት ክመልሶ እዩ።
5 መስከረም 7፡ ባይቶ ፀጥታ ብሓይሊ ኢዱ ክእቱ ኣለዎ
6 መስከረም 9፡ ኣሜሪካ ንሓይልታት ትግራይ ክትሕግዝ ኣለዋ
7 መስከረም 11፡ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብሕብረት ኣፍሪቃ ንደራደር ኢና።
ጥልመት ክሕደት ኣሉነት ሓሶት፡ ግልብጥ ግልብጥ ካብ ቐወምቲ ባህርያት ወያነ እየን። ግዜን ዘብቅዐ መድሃኒት ከኣ እየን። በዘን ውዱቓት ዝመዓልተን መድሃኒት ክጠፍኡ እዮም። መጻኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክኸውን እዩ? ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ክንርእዮ ኢና።