Ethiopian News, Current Affairs and Opinion Forum
Meleket
Member
Posts: 3065
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by Meleket » 02 May 2024, 01:09

ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

ሎሚ ዓመት መንግስቲ ኤርትራ ብናጻ ድላይካ ናይ ምጽሓፍ መሰል ዝያዳ ኣፍቂዱ’ዩ ግዲ፡ ሓንቲ ካብ’ቲ ልሙድ ኣገባብ ድርሰት ኣመና ፍልይ ዝበለትን፡ ናጽነትን ድፍረትን ደራሲኣ ዘግሓደት መጽሓፍ ተሓቲማስ፡ ሸውሃት ምንባብና ንክነዕግብ ድሕሪ ክንደይ ረኺብና ክንነብባ ክኢልና። እዛ 135 ገጻት ዘለዋ ምጥንቲ መጽሓፍ ኣርእስታ “ጥማዕ ካብ ዝኽርታተይ” ይብል። ‘ደራሲኣ እንታዋይ ኢዩ? ኣበይ ዝነበረ ኢዩ? ብዘየገድስ እስከ ካብ ጥማዕ ዝኽርታቱ እንታይ ኢዩ ከጥዕመናን ኪምህረናን?’ ቢልና፡ ቅድሚ ናብ ትሕዝቶ መጸሓፍ ምንባብ ምጅማርና፡ ናብ ገበር መጸሓፍ ዘሎ ርእይቶታት ኣድሃብና። ደራስን ተመራማርን ኣለምሰገድ ተስፋይን ዳይረክተር ጀነራል ክፍሊ ጋዜጣ ኣቶ ሰለሙን በርሀን ካልኦት 3 ሰባት ኣብ ዳሕረዋይ ገበር መጽሓፍ ዘንበርዎ ጦብላሕትኦም ብህድኣት ነቢብና። ኣቶ ተስፋይ ጎይትኦም (ጉራጌ) ዋና ኣካያዲ ስራሕ ህንጻ ሰገን፡ ንኣገባብ ጸሓፊ ምስ ዉሩይ ደራሲ ነፍስኄር ተስፋየ ገብረኣብ ኬመሳስልን ናእዳ ብዝተሓዎሶ ቃና፡ ን “ባር ማቴዎስ” ዚናፍቐ እንኪመስል፤ ጦብላሕታ ኣለም ሰገድ ተስፋይ ድማ ንደራሲ “ኣነ ብዛዕባ ትሕዝቶ ጽሑፍካ ርኢቶ የብለይን። ሓደ ኣረጋጊጸ ዝነግረካ ግን፡ ክትጽሕፍ ከምትኽእል ኣርኢኻ። ካብ ጥማዕ ዝኽርታተይ፡ ውልቃዊ ታሪኽካ ዘይትጽሕፍ።” ብምባል ሓጻርን ገላጺት ሃሳብን ብምሃብ ይድምድም። እስከ በሉ ንእተው ናብ ትሕዝቶ ጽሑፍ ‘ደራሲ’፡ ‘ዲፕሎማት’፡ ‘በዓል መንድዓት’ን ‘ሓረስታይ’ን ተጋዳላይ፡ ብጻይ ብጾቱ ከምዝዀነ ኣብ ጽሑፉ ናብ ዝሓበረና ናብ ጥማዕ ዝኽርታት ጴጥሮስ ኣፈወርቂ - ‘ወዲ ኣፈወርቂ’!

ደራሲ ኣብ ትሕቲ “ምስጋና” ዚብል ኣርእስቲ፡ ንስውእቲ ብጸይቱ ተጋዳሊት ሉኡላ ቀሺ ገብረሚካኤል ኣመስጊኑ፡ ንሰለስተ ብጾቱን ንሓደ ኣቶ ካሕሳይ ዝተባህለ ዜጋን “ዝፈልጥዎ ምስጢር ርብዒ ዘመን” ስለዝገለጹሉ የመስግን። ብጸይቲ ዛህራ ንዝበላ ብጸይቱ’ውን ጽሑፋቱ ዝስንደሉ ኮምፒውተር ስለዝፈቐደትሉ፣ ንብጾቱ ነጋሲን ሃብተን ኣብ “ሚኒስትሪ ጉዳያ ወጻኢ” ሰነዳት ንክርኢ ስለዝፈቐዱሉ (ኣስተዉዕል፦ኣራሚ ቃላት፡ ኣብታ ‘ጉዳያ’ ትብል ቃል፡ ብሰንኪ ንፊደል ‘ት’ ምስኳዕ ምዝንግዑ፡ “ጉድ-ኣያ” ማለት ‘ጉድ ናይ ኣያ-እገለ’ ከምኡ’ውን “ጉድኣያ” ወይ ‘ህሰያ’ ከየስምዕ ክጥንቐቕ ነቢሩዎ)፣ ብጻዩ ሰሎሙን ለቐማ ፊደላት ስለዝሓገዞ፡ ዋና ሳቫና ኢንተርናሽናል አቶ ኣብርሃም [ነፍሲሄር]፡ ኣብ ግዜ ኮሮና፡ ደራሲ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ዚጽሕፈሉ ክፍሊ ሆቴል ሓዚኦምን ኢንተርነት ብነጻ ኪጥቐምን ኪጽሕፍን ስለዝሓገዝዎ፣ ብጻዩ ፍረሚናጦስ ቅርጺ መጽሓፍ ኣብ ምውጻእ፣ ስዉእ ብጻዩ አፈወርቂን ጓሉ ሊብራ ጴጥሮስን ንሰለዝመጠዉዎ ናይ ገበር ስእልታት የመስግኖም። ደራሲ ዕላማ ጽሑፉ፡ ንተዘክሮታቱ ንምስናድ እምበር “ነቂጹ ማዩ ዝወደኣ ጉዳይ ስጋ ኣልቢሱ ምስ ማንም ወዲ ኣዳም ዋሕስ-ኣገብእ ንምባል ከምዘይኮነ፡” ‘መልእኽተይ’ ኣብ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ዕላማኡ ኣነጺሩሎ። ሕጂ ‘ዋሕስ-ኣገብእ’ ከይበልና፡ ደራሲን ተመራማርን ኣለምሰገድ ተስፋይ ንዝጎሰዮ ርእይቶ ኣብ ትህዝቶ ጽሑፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ”፡ ንሕና ኤርትራውያን ደያኑ ማእከልን መስመርን ብኤርትራዊ ጭዉነትን ሓበንን ቕኑዕ ሕልናን ንጥማዕ ገምጋምና ከነካፍል። . . . ግርም።

ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ “መምለሲ ዘይብሉ መንገዲ” ኣብ ዚብል ክፋል፡ ደራሲ ብዛዕባ ኣዚዩ ዘፍቕራ ብኣልቲ ቃልኪዳኑን ኣደ ደቁን ብምድፍናቕ ዝገበሮ ዕላላትን ነታ ኣርሒቓ ዝገሸት ብጸይቱ ተመለሲ በጃኪ እናበለ ይምሕጸን። ኣቶ ሰሎሙን ጆርጆ ዝሃቦ ሰፋሕ ባርኔጣ ወድዩ (አስተውዕል፦ሰሎሙን ኣብርሃ ንማለት’ዶ ይኸውን፡ ከምኡ ዝዓይነቱ ገፋሕ ባርኔጣ ብምውዳይ ዚፍለጥ ህቡብ ወዲ ኣስመራ ነቢሩ)፤ ኣብ ባር ኢምፒሮ ጋዜጣ እናንበበ ምስ ውሽጡ ይላዘብ የስቘርቁርን የስተንትንን። ደራሲ፡ ንፍትውቱ ዘለዎ ነቕ ዘይብል ደረጃ ፍቕሩን ናፍቖቱን ንምግላጽ፡ ብተምሳጥ ዘዳለዎ ደብዳቤ ብመልእክተኛ ክሰደላ መዲቡውን ጽሒፉ ኣዳልዩላ’ሎ። ባዕሉ ብኣካል ከብጽሓላ ከምዘይኽእል ዝተረድኦ ይመስል። ብጸይቱ ተጋዳሊት ሉኡላ ገብረሚካኤል ብሰንኪ ብርቱዕ ሕማም ብዕለት 04-03-2019 ብመስዋእቲ ከምዝተፈለየቶ ይህብር። ነዚ ‘ጥማዕ ዝኽርታት’ ዝበሎ ጽሑፉ፡ ነታ ዓቕሚ ክእለቱ ኣለልያ፡ ንኪጽሕፍ ተተባብዖ ዝነበረት ብጸይቱ ንምቕሳን ከምዝጸሐፎ ይህብር። በዚ ኣጋጣም ንጅግና ስውእቲ ተጋዳሊት ሉኡላ መንግስተ ሰማይ ንደራሲን ስድርኡን ጽንዓት ንምነ።

ናብ ዕምቖት ትሕዝቶ ጽሑፍ ምስ ኣተና፡ ዘይከም ተስፋይ ጎይትኦም (ጉራጌ) ኣብ ገበር ዘስፈሮ፡ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ደራሲ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ርቐትን ዉሩይ ኤርትራዊ ደራሲ ተስፋዬ ገብረኣብ ዘራኽብ ፈትሊ’ኳ ኣይረኸብናሉን። እኳ ደኣ ደራሲ ከምቲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 37 ብንጹር ዝተገልጸ ናይ እዋን ገድሊ ግሩም ገምጋም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረተኣብ፡ ደራሲ ናቱ “ፍሉይ ቅዲ”ን “ፍሉይ ጥበብ”ን “ፍሉይ ግሉጽነትን” ኣላልዩና። ኣብ ሜዳ ኣብ 1988 ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረተኣብ ንተጋዳሊ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ ማለት ናይ ሕጂ ደራሲ “ኣየ ወዲ ኣፈወርቂ፡ ሓዲሽ ፋሺን (ቅዲ) ክትፈቱ መዓት ኢኻ” ዚብል ገምጋምን ርእይቶን ሂብዎ ነበረ። ብርግጽ ደራሲ ንጽሑፉ፡ ነብሰ ዕላል ማለት ጴጥሮስ ምስ ጴጥሮስ ከምዘዕልል ገቢሩ ምድላው ምስትርኢ፡ ኣብ 1988 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተገብረ ብስለትን ቕንዕናን ገምጋም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረተኣብ በርሃው ቢሉ ይንጽር። ኣማን ብኣማን ተጋዳላይ ጴጥሮስ “ሓዲስ ፋሺን (ቅዲ)” ኣጸሓሕፋ’ውን ኣርኢኻና ኢኻ’ሞ፡ ኣገናዕ ንብሎ!

“እቲ ጎይታ ኩሉ ግዜ ሓቀኛ ኢዩ” ኣብ ዚብል 2ይ ምዕራፍ፡ ደራሲ ኣብ ገጽ 11 ሓው ኢሳይያስ ከምዝኾነ “ዕጥይ ምጥይ” እናበለ ንብርሃነ ዓንዱን ንነበብትን ሓቢሩና። ኣብ መፋርቕ 1987 ድሕሪ ሓድነታዊ ጉባኤ ህ.ግ.ሓ.ኤን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ማእከላይ መሪሕነትን፡ ሓላፊኡ ኮይኑ ኣብ ክፍሊ መራኸቢታት (ምልክት) ምስ ተመደበ ተጋዳላይ ተወልደ ዓንዱ ዝገበሮ ተዋስኦ ኣብዚ ምዕራፍ ኣዘንትዩልና’ሎ። ደራሲ ካብ 1984 – 11/1986 ሓላፊ ርክብ ዓበይቲ ሬዲዮታት ከምዝነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓድነት ግን ካብ ዝነበሮ ጽፍሒ ንታሕቲ ወሪዱ ተራ ኣባል ከምዝነበረ ገሊጩልና። ምስ ወዲ ዓንዱ ዝገበሮ ልዝብን፡ ወዲ ዓንዱ ንደራሲ 2 ድልዱላት መጸሓፍቲ ስነኣእምሮን፡ ንደራሲ ምስ ብጾቱ ከመይ ኪካየድ ከምዘለዎ ዚምሕራ ብቋንቋታት እንግሊዝኛን ትግርኛን ዝተጻሕፋ መጽሓፍቲ ብምሃብ ከምዝኮስኮሶን ይምስክር። “ኣብ ትኣምነሉ ጉዳይ ምጽናዕ ጽቡቕ ባህርይ ከምዝዀነ፡ ኣመና ምትራርን ኣቻዮ ምዃንን ግን ኣብ መንጎ ተኽእሎ ምስባር ከጋጥም ከምዝኽእል” በምግላጽ ወዲ ዓንዱ ንደራሲ ከምዝመዓዶን ብእወንታዊ መንገዲ ከምዝጸለዎን ይገልጽ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ስድራቤታዊ ፍቕሪ ምስ ብርሃነ ዓንዱ (ሓው ንተወልደ ዓንዱ) ከምዝመስረተ ደራሲ ኣዘንትዩልና’ሎ። “ወዲ ዓንዱ” ድሕሪ ናጽነት ከንቲባ ወይ ኣመሓዳሪ ከተማ ምጽዋዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ‘ዝተጋደልኩ ዝዓነወትን ዝፈረሰትን ከተማ ንምርኣይ ኣይዀነን’ ብዚብል መትከል ኣብ ሕንጸት ኣድሒቡ ሓርዀትዀት ይብል ከምዝነበረ፡ ሻቡ እዋን ምስ ገለ ጋዜጣታት ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ነቢብና ከምዝነበርና ንዝክር።

ወዲ ዓንዱ ንደራሲ ኣብ ወርሒ 9/1991 ናብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ መዚዙ ከምዝለኣኾ፡ ደራሲ ኣብ ወርሒ 5/ 1992 ብኮምፒዩተር ዝተሰነየ ርክባትን ኮድን ይፈትሕ ከምዝነበረ፡ ብሰንኪ “ዝተበሃለካ ጥራሕ ግበር” ዚብል ትእዛዝ ኣሕሉቅቱ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ምስ ወዲ ዓንዱ ኣብ ግዜ ገድሊ፡ ምስ መሳርሕቱ ኣብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ እዛ ትእዛዝ ከምዘይተቃደወ ይገልጽ። ደራሲ ካብቶም “እሺ ጎይታይ ጥራሕ ዘይብሉ” ግን ድማ ብቕንዕና ንሓለፍቶም ዝብድሑ ሓዲሽ ቅዲ ስሉጥ ኣገባብ ስራሕ ንምምሓዝ ሰለም ዘይብሉ ሰባት ከምዝዀነ ይገልጸልና። ብርግጽ ተጋዳላይ ኣብ ግዜ ገድሊ ብወተሃደራዊ ትእዛዝ ይካየድ ስለዝነበረ “ዝተባህለካ ጥራሕ ግበር” ንዚብል ትእዛዝ ብሃሳባት ኪብድሕ ምሉእ ነጻነት ነቢርዎ’ዶ ንምፍላጥ ዕሙቕ ዝበለ ምርምር የድሊ ኢዩ። ካን’ዶ ከምዚ ዝዓይነቱ ጠባይ ኣብ ከም ብኣል ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ ብዝያዳ ደሚቝን ጎሊሑን ይረኣ ነቢሩ’ዶ ቢልካ ምሕታትን ምምርማርን፡ ምስቲ ደራሲ ዘምጽኦ ሓሳባት ምውህሃድን ናብ ሓቂ ንምቕራብን ሚዛናዊ ገምጋም ንምግባርን ይሕግዝ ኢዩ ንብል።

“ሕላገት ንግዲ ዘይነበራ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ እተደዀነት፡ ደራሲን ብጾቱን “እንዳ ማቴዎስ” ብዚብል ሽም ዝፈልጥዋ፡ ኣብ ብድብድን ጨናዊን ከባቢ እትርከብ ቤት መስተ የዘንቱ። ደራሲ ከም መጠን ዲፕሎማሰኛ ሃገረ ኤርትራ መኪና ሒዙ፡ ብሓደ ወገን ሳሕቲ ኣብ “ሕዛእቲ ሃብታማት” ማለት ሆቴል ግዮን፡ ብኻልእ ሸነኽ ዝያዳ ኣብቲ ብድብድን ጨናዊን ስፍራ እትርከብ ቤት መስተ ‘እንዳ ማቴዎስ’ ኣዘውቲሩ ምስ ብጾቱ የዋግዕን የዕልልን ይዘናጋዕን ከምዝነበረ ስክፍ ከይበሎ ብቕንዕና ይህብረና።

ደራሲ ኣስዒቡ ምልስ ኢሉ ታሪኹ እንክገልጽ “ን9 ኣዋርሕ ኣባል ማሕበር መንእሰያት ከረን ኮይኑ ዝተፈላለየ ኣገልግሎት ከምዝሃበን፡ ብ28-06-1978 ንወተሃደራዊ ስልጠና ንእማህሚመ ከምዝወረደ፡ ወርሕን 2 ሰሙንን ተዓሊሙ፡ ብዕለት 15-08-1978 ታዕሊሙ ዛዚሙ ናብ ክፍሊ ምልክት ከምዝተመደበ ይገልጸልና፤ ኣስዒቡ’ውን ኣብቲ ግዜ ኣብ ሜዳ ምስቲ ኣቐዲሙ ዝተጋደለ ሓዉ ኣማኑኤል ኣፈወርቂ ዝገበሮ ኣዘናጋዒን መሃሪን ዕላል የካፍለና። ኣማኑኤል ኣፈወርቂ “ኣነስ ባህርያት ደቂ ሰባት እገርመኒ። ኣብ’ዛ ገዛእ ሰብነትካ ከም ድላይካ ንኸይትከውን፡ ኪመልኩኻ ወይ ንሳቶም ዚደልይዎ ተግባር ጥራይ ክተተግብር ይደልዩኻ። ኣበሳ ነብሶም ከየቃንዑ፡ ኪምዕዱኻ ወይ ኪወቕሱኻ ይህወኹ” ብምባል ሕጂውን ድሕሪ እዚ ኩሉ መዋዕል ዓመታት ሓቕነቱ ምስክር ዘየድልዮ ረዚን ዘረባ ከምዝተዛረቦ ንርኢ።(ገጽ 21) ኣስዒቡ ብ1987 ዝተሰኣለ ስእሊ ናይ ጨሓም ሓዉ ብምቕራብ ከምዚ ብምባል የዘንቱ፡ “ኩሎም ዚሰማምዑላ ደፊሮም ዘይብልዋ፡ “ኤማ ድኣ ኣእምሮኡ ካብ ዚስሕት ነዊሕ እንዲዩ ገይሩ” ዚብል ዘረባ ከምዝነበረት ይገልጸልና። እዚ ግሩም ጨሓም ሓዉ፡ ሕጂ ኣብ 2024 ኣበይ ከምዘሎ ኣይገለጸልናን። ስዉእ ወይ ነፍሲሄር ቢሉውን ኣይገለጾን። ደራሲ፡ ሃሙን ቀልቡን ኣብታ ‘እንዳ ማቴዎስ’ ዚብልዋ ባር ከምዝነበረ፡ ብዝተፈላለዩ ምክኒታት ብ28-12-1995 ዲፕሎማሲያዊ ክብሩ ተገፊፉ ከምገበነኛ ብኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ተጋዳላይ ሃይለ መንቀርዮስ ከምዝተጠረዘ አጻዕድዩ ሓቢሩናሎ። ገጽ 24

“ፍሉይ ቦታን ቆጸራን” ኣብ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ ብርሃነ ዓንዱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባል ኢምባሲ ሃገረ ታንዛንያ፡ ንደራሲ ዝገበረሉ ምዕዶን ምክፋል ተሞክሮ ስራሕን ህይወትን የዘንትወልና። ብርሃነ “ኣብ ገድሊ ዚነበረ ግኑን ኣተሓሳስባ ‘ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ስዓብ’ ከምዝነበረ፡ ኣብ ሓቀኛ ናይ ስራሕ ዓለም ዘሎ ኣተሓሳስባ ግን፡ ንስኻ ሕለፍ ኣነ ክጸንሕ” ዚብል ቄናን ኣተና ምኳኑ ይገልጸልና። ደቂ ዓንዱ ኣብ በረኻን ከተማን ሽጣራታት ናብራ ከምወለዱ ከምዝመሃርዎ ብቕንዕና ኣዘንትዩልና። ገጽ 32

ንዕብየት ስልጣንካ ጸዓር” ኣብ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ በቲ ልሙድ ትምህርቲ ብርሃነ ዓንዱ ብምፍላም፡ ደራሲ “ደቂ ዓንዱ ዘይተምጽእዎ የብልኩምን” ቢሉ ብኣስተንክሮ ድሕሪ ምግላጽ፡ ዛንታ ተሞክሮ ወላዲኡ ማለት ኣቦኡ ሓቢሩናሎ። ከምዚ ይብል “ኣቦይ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ብጽኑዕ ሓሚሞም ስለዚነበሩ ንዕረፍትን ንፋስ ንምቕያርን ብዕለት 28-08-1993 ናብ ኣዲስ ኣበባ” ናብቲ ናይቲ እዋን ‘ዲፕሎማሰኛ” ወዶም ናይ ሕጂ ደራሲ ወዶም ከምዝኸዱሞ፡ ባዕሎም ኣቦኡ ንዘዕለልዎ መሳጢ ዛንታ የካፍለና። “እዚ ወደይ ኣብ ዘበነ ዉርውራ ማለት፡ ጣልያን ተሳዒሩ እንግሊዝ ዚኣተወሉ፡ ገለ በላዕቲ ክልተ እንጌራ ኤርትራውያን፡ ንሽመትን ረብሓን ኪብሉ ምስ ጸላኢ ወገኑ። ዓስቢ ውዕለቶም፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሒሮም ፈደረሽን ምስ ፈረሰ ምስሌነታት ሃይለስላሰ ኮይኖም ኣገልጊሎም” በልዎ ኣቦኡ፡ ኣቶ ኣፈወርቂ። ደራሲ ኣቦኡ፡ ኣብ ‘ግዜ ዉርውራ’፡ “ጸላኢ” ዚብልዎ ዝነበሩ ንመን ከምዝዀነ ኣይሓበረናን። ንጥልያን’ዶ? ንእንግሊዝ’ዶ? ንኢትዮጵያ’ዶ? ንካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት’ዶ? ወዘተ ኣየነጸረልናን። ኣቦኡውን ዝነገሩዎ ኣይመስሉን። ኣቦኡ ካብ ኣባላት ማኅበር አንድነት ወይ ሕብረት ከምዝነበሩ ይፍለጥ ኢዩ። ሓወቦ ደራሲ ማለት ደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃም፡ ምስለኔ ሓጸይ ሃይለስላሴ ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሓደ ኢዮም። እሞ’ከ ድኣ ሓዎም ንኣቶ ኣፈወርቂ ኣብርሃም ምስቶም “ገለ በላዕቲ ክልተ እንጌራ ኤርትራውያን፡ ንሽመትን ረብሓን ኪብሉ ምስ ጸላኢ ወገኑ።” ዝተባህሉ ዜጋታትና ይጽብጸቡ’ዶ? ደጃዝማች ሰለሙን ኣብርሃ፡ ሓገዝ እንግሊዝ ሓቲቱ ንተቃውሞ ህዝቢ ትግራይ ዝጨፍለቐ ሓጸይ ሃይለስላሰ፡ ምርኡይ ምስለኒኦ ኔሮም። ንጠቅላይ ግዝኣት ወሎ የመሓድሩ ከምዝነበሩ፡ ብርቱዕ ደርቂ ንወሎ ከምዘጥቔኤ ንፈልጥ ኤርትራውያን ውሑዳት ከምዘይዀንና ኪስሓት ኣይግባእን። ኣቶ ኣፈወርቂ ኣብቲ ግዜ ዉራዉራ “ጸላኢ” ኣካል ዝብልዎ ነየናይ ኔሩ፡ ደራሲ ኣይገለጸልናን፤ ከነጽርረልና ምተገበኤ። ገጽ 36.

እንተዀነ ግዳ ኣቦኡ ኣስዒቦም “ጴጥሮስ ወደይ፡ ኣሽንኳይ ንስልጣንን ጠቕምን ክትብል ክብርኻ ምሻጥ ይትረፍ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ወለድኻ ዝግብኣካ ውርሲ ክትጽበ’ውን ነውሪ ኢዩ። . . . ” እናበሉ ረዚን ምዕዶ ከምዝመዓዎ ገሊጹሎ።

ቀጺሉውን ኣብ ወርሒ 4-1988 ኣባል ኣካል ሓለዋ ርክብ ዓበይቲ ሬዲዮ ኣብ ዝነበረሉ ንዘጋጠሞ ጉዳይ ደራሲ የዘንቱ። ቅድሚ ናብ ምሉእ ዛንታኡ ምእታውና፡ ካብተን ኣብታ መጽሓፍ ተደማሚረን ሓደ ገጽ ዘይመልኣ ቃላት እንግሊዝኛ፡ ካብዚ ገጽ ዚፍልም ርኡይ ጸገም ቃላት እንግሊዝኛ ክንነቕስ፦
ኣብ ገጽ 36 ኣብ ክንዲ “frequency” ደራሲ ኣብ መጸሓፉ “frquency” ብምባል “e” ረሲዑ፡
ኣብ ገጽ 65 ብዛዕባ database እንኪገልጽ ኣብ ክንዲ “Query” ደራሲ ኣብ መጸሓፉ “Quiey” ብምባል “r” ረሲዑ “i” ሰዅዑ፡
ኣብ ገጽ 75 ኣብ ክንዲ “Human Resources” ደራሲ ኣብ መጸሓፉ “Human Resorce” ብምባል “- - - -u - - - e” ረሲዑ፡
ኣብ ገጽ 82 ኣብ ክንዲ “Pathology” ደራሲ “patology” ብምባል “h” ረሲዑ
እቲ ኣመና ዘገርም ኣብ ገጽ 97 ኣብ ክንዲ “Diplomacy” ደራሲ “Diplomasy” ብምባል ን“c” ብ “s” ተኪኡ
ኣብ ገጽ 108 ኣብ ክንዲ “American School” ደራሲ “American Schoole” ብምባል “e” ወሲኹ
እዚን ከምዚን ዝኣመሰለ ተራ ጌጋታት፡ ድሩትነት ፍልጠት ለቐምቲ ፊደላትን ሸለልትነት ደራሲን ዘግህድ ከምኡውን ሸውሃት ንባብ ዚዓጹ ስለዝዀነ፡ ብሕጂ ኣብ ዚግበር ተመሳሳሊ ተበግሶ ምድራስ መጻሕፍቲ፡ ደረስቲን ለቐምቲ ፊደላትን ንስለ ክብሪ ነበብቲን መጻእቲ ወለዶታትን ብትኩርነት ኪርእይዎ ይግባእ።

ሕጂ ናብታ ደራሲ ናብ ዝገለጻ ፍጻሜ ወርሒ 4 ናይ 1988 ክነብል። ደራሲ፡ ሓደ ወርሒ ቕድሚ እዛ ዝገለጻ ፍጻሜ፡ ማለት ኣብ ወርሒ 3 ዕለት 17-20 1988 ዝተገብረ ሓያል ጥምጥም ሕዝባዊ ሰራዊትን ደርማስ ዓወት ውግእ ምድምሳስ ናደው ዕዚ ብጩቕ ቢሉ ሓንቲ ቓል ኣይገለጸልናን። ሕጂ ሓደ ወርሒ ድሕሪ ዓወት ምድምሳስ ዕዚ ናደውን፡ ምምራኽ ሶቭየታዉያን ኣማኸርቲን ምልስ ኢልና፡ ናብ ናይ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ኣፈወርቂ (ደራሲ) ናይ ሕጂ ዛንታ ንመለስ። ደራሲ የገልግለሉ ኣብ ዝነበረ ክፍሊ መራኸቢታት፡ ብፍላይ ብሰንኪ ድግግም ሞጎዳዊ ዋሕዚ frequency ዚረአይ ርኡይ ጸገም ብምልላይ፡ ፍታሕ ንዝበሎ ሓሳብ ንሓላፊ ጨንፈር መራኸቢታት (ምልክት) ዚነበረ ብጻይ ኣማኑኤል ምሕረተኣብ ከምዘረከቦ’ሞ፡ ብጻዩ ኣማኑኤል ነታ ኣብ መእተዊ ዝገለጽናያ ጦብላሕታኡ፡

“ኣየ ወዲ ኣፈወርቂ፡ ሓድሽ ፋሺን (ቅዲ) ክትፈቱ መዓት ኢኻ። ደሓን ኣብ’ቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ጣውላ ኣቐምጦ” ከምዝበሎን ድሕሪ ዓመትን መንፈቅን ማለት (ድሕሪ ወርሒ 10 1989) ብጻይ ኣማኑኤል ኣኼባ ኣባላቱ ብምጽዋእ፡ ንናይ ነፍሲወከፍ ኣካል ዚዓመመቶ ስራሕን ዘጓነፈ ሕጽረታትን ብዝርዝር መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ናብታ ቻርት ብምምልካት፦
ካብ ተሞክሮና ብዝቐሰምናዮ መሰረት፡ ቅድሚ ሕጂ ናይ ማእከሎት ሬድዮታት ርክብ፡ ኣብ ማዕበል ጻዕቂ ርክብ ኣብ ዘጓንፈሉ፡ እዋናዊ ፍታሕ ክንገብረሉ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ዓበይቲ ሬድዮታት ከጓንፍ ንዚጸንሐ ጻዕቂ ርክብ፡ ብኸምዚ ኣብ’ዚ ቻርት እትርእይዎ ዘለኹም ኣገብብ ጌርና ክንፈትሖ ኢና” ብምባል “ኣብ ክንዲ ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ብብጻይ እገለ ቀሪቡ ግን ኣይሰራሕናሉን ቢልካ ጉድለትካ ምርዓም፡ ካብ ተሞክሮ ብዝቐሰምናዮ ቢልካ ምዝራብ እንታይ ይበሃል? እቲ ቻርት ቅድሚ ዓመትን መንፈቕን ዚቐረበ፡ ኣዳላዊኡ ባዕለይ” ብምባል ነቲ ንኣስታት 35 ዓመታት ኣብ ልቡ ከዚንዎ ዝጸንሔ ናይቲ እዋን ስምዒቱ የፍስስ።

ነበብቲ ደራሲ በይኑ ብዝበሎ ክንፈርድ ኣይንክእልን ኢና። እንታይ ደኣ ውዕሎን ታሪኽን ሕዝብና ክንዲ ዝዀነ ንነፊ ነመዛዝን ንግምግምን ንትንትን። እቲ ብህርኩትነቱ ዚልለ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፣ እቲ “ኣብ ማዕበል ጻዕቂ ርክብ ኣብ ዘጓንፈሉ’ እዋናዊ ፍታሕ ክንገብረሉ ጸኒሕና” እናበለ ግን ድማ ንስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው ዘቐላጠፈ ኣሓዱ መራሒ፣ እቲ ወርሒ ድሕሪ ዓወት ምድምሳስ እዚ ናደው ንዝቐረበሉ ‘ሓዲሽ ቅዲ ሓሳባት’፡ ምስጢራዊነት ብምዕቓብ ኣብቲ ሕዝባዊ ሰራዊት ኣብ ወርሒ 2 1990 ንዝተግበሮ ስርሒት ፈንቅል ንምድላው፡ ሃሳባት ብጾቱ ሰሚኡን ጸሚቑን፡ ኣገባባት እንተሓበረ፤ የመስግኖ እምበር የውቕሶን።

ደራሲ ግቡኡ ዚገብር ኪውደስ ደልዩ እንተዀይኑ፡ ክሳብ ሕጂ እዋን ንሓቀኛ መትከል ገድሊ ኣይፈለጠን ክንብል ንኽእል። ደራሲ ነታ ባዕለይ ኣዳሊየያ ዝብላ ቻርት’ከ ካብ ተሞክሮ እምበር ካበየናይ ዩኒቨርሲቲ ደኣ ተማሂርዋ! እዚ ጌረ ኣብ ቅድሚ ብጾተይ ዘይተወደስኩ ቢልካ ከም ቖልዓ ምኒን ምባል ብስውኣት ምሽኽእላል ኢዩ። ደራሲ ንሓዲሽ ቅዱ ንዝምልከቶ ኣካል ይህብ፡ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ተመያይጡ፡ ኣብቲ አድላይ ዝተበሃሎ ናይ ዜሮ ሰዓት ኣብ ፈተነን ኣብ ግብሪን ይውዕል። ገድሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዝኣምነሉ መስርሕ እዚ ኢዩ። ንኣማኑኤል ዝኮስኮሱ አርካናት ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ፡ መትከል እኒ ቀዳማይ ፕረዚደንት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝነበሩ ፊተውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ “ርእይቶ ፍሩያት ጥራሕ ኣይንስማእ ርእይቶ ደቀቅቲውን ንስማእ’ ዚብል ዲሞክራሲያዊ መትከል ዘስንቁ ስለዝነበሩ፡ ብርግጽ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረተኣብ፡ ደቂቅ ቢሉ ከይነዓቐ፡ ንናይ ብጻዩ ፍሉይ ቕዲ የስርሓሉ ኢዩ ቢሉ ኣብ ዝኣመነሉ ህሞት ኣብ ግብሪ ምውኣሉ፡ ሕጂ ዝያዳ ከምነድንቖ ገቢሩና! ተጋዳላይ ኣማኑኤል ኣብዘለኻዮ ክብሪ ንኣኻ ቢልና ኣሎና!

ተጋዳላይ ኣማኑኤል ብብዙሕ ዕዉት ስርሑ ንፈልጦ። ካብ ተጋዳላይ ጴጥሮስ ሰለሙን ካብ ዝተቐበላ ትእዛዝን ጻዕዳ ወረቐትን ብርዒን ጥራሕ ተበጊሱ፡ ንኣሽሓት ተጋደልቲ ኤርትራ፡ብመደብ ብምጥያስ ኣብ ሲቪላዊ ናብራ ንክጽምበሩ ከይደቀሰ ይሓድር ከምዝነበረ ንፈልጦ ተጋዳላይ፡ ነቲ ካብ እዋን ንእስነቱ ኣብ ገድሊ ኣብ ክፍሊ ምልክት ሃርኮትኮት ዚብል ዝነበረ ህርኩት ተጋዳላይ፡ ነቲ ጎድኒ ጎድኒ ዕለታዊ ስርሑ ንነፍሱ ብምንባብ ደሊቡን ብፍልጠት ሓኒጹን ክሳብ ደረጃ ዶክትረይት ዘጽንኤ ኣብነታዊ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ በዚን ከምዚን ተራ ወቀሳ ኣይንፈርዶን። ደራሲ ግዜ ገድሊ ኣነን “ባዕለይን” ዘይበሃለሉ፡ ንሕና ዚበሃለሉ መድረኽ ከምዝነበረ ዝዜንግኤ ይመስል። ደራሲ ነቲ ኣነ ባዕለይ ዘዳለኩዎ ዝበሎ ቻርት፡ ባዕሉ ከም ዝገለጸልና “ብጻይ ኣማኑኤል ነፍሲወከፍ ኣካል ዚዓመመቶ ስራሕን ዘጓነፈ ሕጽረታትን ብዝ መግለጺ ሂቡና።” ካብ በለ፡ ደራሲ ዝርከባ ክፍሊ ካብ ዝዓመመቶ ዕማም፡ ነቲ ደራሲ “ብውልቀይ ቀሪበዮ” ዚብሎ ስራሕ እንተዘይተገምጊማ፡ ደራሲ ንሓለቃኡ ኪሓትት ምተገበኣ እምበር ድሕሪ 35 ዓመታት ዓንገረር ምባል ፋይዳ የብሉን። ደራሲን ብጾቱን ኣብቲ በድበድን ጨናዊን ስፍራ ኣብ ትርከብ ቤት መስተ ማቴዎስ ኪዘናግኡ እንከለዉ፡ ተጋዳላይ ኣማኑኤል ምሕረተኣብ እንታይ ዕማማት ይዓምም ኔሩ እንፈልጥ ብጾቱ ኣሽሓት ኢና፡ እቲ ምንታይ ግብሩ ብዘይቃልዓለም ስለዚምስክረሉ።

ደራሲ ኣብ ገጽ 39 “ኣርሓ ኣርሓ ልሒሱ ኢዩ ኣርሓ ዚኸውን” ብምባል ናይ ሓደ ብጻዩ ጥቅሲ ተለቒሑ የዘንቱ። ደራሲ ደረጃ ንቕሓቱ ኣብ ሕቶ ምልክት ዚኣቱ “ድሮ ኣርሓ ዚዀነ ደኣ” ካልእ ኣርሓ ልሒሱ ዲዩ ከም እንደገና ኣርሓ ዚኸውን?” ቢሉ ኪሓትት ኣይከኣለን። ካብኡ ናብኡ “ዝራብዕ ኣርሓ ልሒሱ ኢዩ ኣርሓ ዚኸውን” እንተበለ’ዶ ምሓሸ ነቢሩ? “ኣራሚ ጽሑፋትን ለቓሚ ፊደላትን” ናይዛ መጸሓፍ እንታይ ይብል? . . . ካብተን 135 ገጻት እንተርኪብናሉ ካብ ገጽ 40 “ጠቐነ” ካብዚብል ንኡስ ምዕራፍ “ጥማዕ ገምጋምና” ምቐጸልና’ሞ ደራሲ ባዕሉ ኣብ ዲቕ ዝበለ “ጠቐነ” ተኣሊኹ ከምዘሎ ስለዝተረደኣና ክሳብ ብኣል ኣምባሳደር ሃይለ መንቀሪዎስ መልሲ ዝህብዎ ገዲፍናዮ!

ሓቂ ምስ ገለጽና ንሓሶት ነሸቝርራ፣
ፍለጡና በሉ ንሕና ኢና ኤርትራ።
:mrgreen:

Axumezana
Senior Member
Posts: 13954
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by Axumezana » 02 May 2024, 01:15

ሃተፍተፍ እንዳዛህላይ ማህላይ፤

Meleket
Member
Posts: 3065
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by Meleket » 02 May 2024, 01:25

ቡሩኽ ቕነ ሕማማት ንምነየልካ .. .. ..

ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ኤርትራውያንና ኢትዮጵያዉያንን ብሰላም የብጽሕኻ!

Axumezana wrote:
02 May 2024, 01:15
ሃተፍተፍ እንዳዛህላይ ማህላይ፤

QB
Member
Posts: 1939
Joined: 05 Dec 2012, 15:14

Re: ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by QB » 02 May 2024, 01:53

ደራስን ተመራማርን ኣለምሰገድ ተስፋይን
:mrgreen: :mrgreen:

Please wait, video is loading...

Axumezana
Senior Member
Posts: 13954
Joined: 27 Jan 2020, 23:15

Re: ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by Axumezana » 02 May 2024, 02:02

ኤርትራ፥ ትባሃል፥ ሃገር፥አይነበረትን፥ ክትነብር፥ እውን፥ ክፍቀደላ፥ የብሉን፤

ኢትዮጵያን፥ እስከ፥ ዛሬ፥ እያደማ፥ ያለው፥ የኤርትራ፥ ጉዳይ፥ ንጉስ፥ሚንሊክ፥ትግራይን፥ ለማዳከም፥ የትግራይን፥ህዝብና፥ መሬት፥ ቆርሰው፥ ለጣልያን፥ በመሸጣቸው፥ሲሆን፥ አፄ፥ ሀይለስላሴም፥ ችግሩን፥ ከስሩ፥ ከመንቀል፥ ይልቅ፥ኤርትራ፥ ከእናት፥ አገሯ፥ ጋር፥ ተቀላቀለች፥በሚል፥የሀሰት፥ትርክት፥ ኤርትራ፥ የምትባል፥ ጠቅላይ፥ ግዛት፥ በመፍጠር፥ ኢትዮጵያን፥የማድማቱ፥ሴራ፥ እንዲቀጥል፥ አድርገዋል።

እውነታው፥ ግን፥ኤርትራ፥ የምትባል፥ ምድር፥ ጣልያን፥ የፈጠራት፥ እንጂ፥የኢትዮጵያ፥ ልጅ፥ እንዳልሆነችና፥የትግራይ፥ አካል፥ነች። አሁንም፥ ኤርትራ፥ የሚለውን፥ ስም፥ አጥፍቶና፥ በተጋሩነታቸው፥ የሚያምኑ፥ ኤርትራዊ፥ ተጋሩን፥ አደራጅቶ፥ኤርትራ፥ በሃይል፤ በዲፕሎማሲና፥በፈቃደኝነት፥ ከትግራይ፥ ጋር፥ እንድትቀላቀል፥ ማድረግ፥ አማራጭ፥ የሌለው፥ስር፥ ነቀል፥ መፍትሄ፥ ነው።

Meleket
Member
Posts: 3065
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by Meleket » 10 May 2024, 07:30

“ወዳጃችን Axumezana የቀን ቕዠትና ህልም ኣይከለከልም! :mrgreen:

ከ”ብሪቶርያ” መልስም መቓዠቱን ኣልተውክምን?
:mrgreen:
Axumezana wrote:
02 May 2024, 02:02
ኤርትራ፥ ትባሃል፥ ሃገር፥አይነበረትን፥ ክትነብር፥ እውን፥ ክፍቀደላ፥ የብሉን፤

ኢትዮጵያን፥ እስከ፥ ዛሬ፥ እያደማ፥ ያለው፥ የኤርትራ፥ ጉዳይ፥ ንጉስ፥ሚንሊክ፥ትግራይን፥ ለማዳከም፥ የትግራይን፥ህዝብና፥ መሬት፥ ቆርሰው፥ ለጣልያን፥ በመሸጣቸው፥ሲሆን፥ አፄ፥ ሀይለስላሴም፥ ችግሩን፥ ከስሩ፥ ከመንቀል፥ ይልቅ፥ኤርትራ፥ ከእናት፥ አገሯ፥ ጋር፥ ተቀላቀለች፥በሚል፥የሀሰት፥ትርክት፥ ኤርትራ፥ የምትባል፥ ጠቅላይ፥ ግዛት፥ በመፍጠር፥ ኢትዮጵያን፥የማድማቱ፥ሴራ፥ እንዲቀጥል፥ አድርገዋል።

እውነታው፥ ግን፥ኤርትራ፥ የምትባል፥ ምድር፥ ጣልያን፥ የፈጠራት፥ እንጂ፥የኢትዮጵያ፥ ልጅ፥ እንዳልሆነችና፥የትግራይ፥ አካል፥ነች። አሁንም፥ ኤርትራ፥ የሚለውን፥ ስም፥ አጥፍቶና፥ በተጋሩነታቸው፥ የሚያምኑ፥ ኤርትራዊ፥ ተጋሩን፥ አደራጅቶ፥ኤርትራ፥ በሃይል፤ በዲፕሎማሲና፥በፈቃደኝነት፥ ከትግራይ፥ ጋር፥ እንድትቀላቀል፥ ማድረግ፥ አማራጭ፥ የሌለው፥ስር፥ ነቀል፥ መፍትሄ፥ ነው።

Meleket
Member
Posts: 3065
Joined: 16 Feb 2018, 05:08

Re: ንመጽሓፍ “ጥማዕ ዝኽርታተይ ብጴጥሮስ ኣፈወርቂ” - ጥማዕ ገምጋምና

Post by Meleket » 15 May 2024, 05:45

Meleket wrote:
02 May 2024, 01:09

Post Reply